KoJACK-WORK© I & II (Tigrinya Version)

ኣብ ጀርመን ስራሕ ክትረኽቡ ትደልዪ፧ ስራሕ ንኽረክብ ግን እንታይ ክገብር ኣለኒ፧ ኣይናይ ስራሕ እዩ ንዓይ ዝኸውን፧ እዚ KoJACK-Work ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሕቶታት ንኽምለሱ ይተሓጋገዝ። ንዓበይቲ ዝዓለመ ትካል ኮይኑ ብክልተ ዝተፈላለዩ ኣገባብ ዝተኸፍለ እዩ።

ኣብ KoJACK-Work I ኣብ ዝኾነ ስራሕ ኣብ ጀርመን ዘድልዩ ነገራት ንሓተኩም። ብጠቕላላ 125 ሕቶታት ኮይኖም ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ክእለትኩምን ፍልጠትኩምን ንምንጻር ይሕግዙ።

ኣብ KoJACK-Work II ድማ ንተመኩሮ ስራሕኩም፡ ክእለትኩም፡ ተገዳስነትኩምን ድሌት ስራሕኩምን ዝሓዘሉ ሕቶታት እዮም። ኣብዚ ድማ 15 ናይ ስራሕ

ባይታታት መታን ኣንፈት ስራሕ ክትረኽቡ ዝሕግዙ ኣለው። ፍቃደኛታት እንተ ኾንኩም ድማ እቶም ኣባላትና ውጽኢት መልስታትኩም ምሳኹም ሓቢሮም ይዘራረብሉ። ብዛዕባ KoJACK-Work ሕቶታት ወይ ተወሳኺ ሓበሬታ ምስ ዝህልወኩም ናብ ኢመይል ጸሓፉልና።

E-Mail: info@bfzonline.de.